ንምክንሻብ ደቂ-ኣነስትዮ ዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዲዩ?

ምኽሪ ክንህብ ንኽእል ኢና።

ምኽንሻብ ኣዋልድ እንታይ እዩ?

ኣብ ናይ ኣዋልድ ምኽንሻብ እቲ ናይ ደቂ-ኣነስትዮ ክፍሊ ብልዕቲ ይቒረጽ። ዝተፈላለዩ ዓይነትን ኣገባባትን ምኽንሻብ ኣለዉ፣ ምኽንሻብ ዝግበረሉ ዕድመ ኣዋልድ ድማ ኣዝዮ ዝተፈላለየ እዮ።

ተወሳኺ ነዚ ዝምልከት ኣንብቡ።

ሓገዝ ኣበይ እረክብ?

ንቡዙሓት ደቒ-ኣነስትዮን ኣዋልድን ብዛዕባ ሕቶታተንን ጸገማታተንን ክዛረባ ኣጸጋሚ እዩ። ነጻን እሙኑን ዝኾነ ምኽሪን ሓገዝን ክንህበክን ንኽእል።

ናባና ኣመልክታ።

እቲ ልምዲ ኸምኡ ይብል። ብወገነይ ግን ኣይፋል።

ንምንታይ ሓንቲ ጋል ትኽንሸብ ንዝብል መብዛሕቱኡ ግዜ ልምዲ ኸም ምኽንያት ይቐርብ። ግን ኸኣ ልምዲ ይቕየር እዩ። ኣዋላድ ካብ ምኽንሻብ ንምኽልኻል ሓገዝኩም ኣበርክቱ።

ኣብዚ መዳይ ክንሕግዘኩም ኢና።

እተን ናይ ጥዕና ሳዕቤናት እንታይ እየን?

ብሰንኪ ጥዕናዊን መንፈሳውን ሳዕቤን ናይ ምኽንሻብ ብዙሓት ኣዋልድን ደቒ-ኣነስትዮን ይሳቐያ።

ሓገዝ ኽትረክባ መሰል ኣለክን!

ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣበይ እዩ ዝግበር?

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ምኽንሻብ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮ ይፍጸም እዩ። ካብ 200 ሚሊዮን ንላዕሊ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮ ግዳይ ናይዚ ተግባር እየን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሚሊዮን ሕጻናትን ንኣሽቱ ኣዋልድን ይኽንሸባ።

ኣበየኖት ሃገራት?

ምኽንሻብ ናይ ኣውላድ ዝተኸልከለ ድዩ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ከምኡ ድማ ኣብ መብዛሕትኤን ካልኦት ሃገራት ንኣዋልድ ምኽንሻብ ክልኩል እዩ። ደቂ-ኣነስትዮ ኣዋልድን ድሕነትን ሓገዝን ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን።

እኹል ሓበሬታ ውሰዱ።

ዝውቱራት ሕቶታት

ኣብ ጉዳይ ናይ ኣዋልድ-ምኽንሻብ ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ሕቶታትን ጥርጣሬታትን ኣለዉ።

ኣብዚ መልሲታት ትረኽቡ።

ምኽንሻብ ኣዋልድ እንታይ እዩ?

እተጠቕሱ ዝተፈላለዩ ዓይነት ምኽንሻብ ብእተን ኣዋልድ ዝቕመጥኦ ኸባብን ሕብረተሰብን ይውሰን። እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዓይነት ምኽንሻብ ድማ ይህልዉ:

  • 1ይ ዓይነት (ምቑራጽ): ናይ ስምዒት ክፍሊ (ክሊተርስ) ብኽፋል ወይ ድማ ብምልኡ ምቑራጽ።
  • 2ይ ዓይነት (ምእላይ): ናይ ስምዒት ክፍሊ (ክሊተሪስ)ን ናይ ብልዕቲ ናይ ውሽጢ ከንፈርን ብኽፋል ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ምእላይ።
  • 3ይ ዓይነት ( ምስፋይ ወይ ድማ «ፋርዖናዊ ምክንሻብ»): ምእላይ ናይ ስምዒት ክፍሊ (ክሊተርስ)ን ናይ ብልዕቲ ናይ ውሽጢ ከንፈርን። ናይ ብልዕቲ ናይ ደገ (ዓቢ) ከንፈር ንእሽቶይ ከፋት ብምግዳፍ ምስፋይ።
  • 4ይ ዓይነት: ዝተረፉ ካልኦት ኩሎም ኣገባባት ንናይ ደቒ-ኣንስትዮ ብልዕቲ ዝጎድኡ። ንኣብነት ናይ ደገን ውሽጥን ክፍሊ ብልዕቲ ምብሳዕ ወይ ምስቓር።  

ኣዋልድ ዝኽንሸባሉ ዕድመ ኣዝዩ ዝተፈላየ እዩ። ነዋልድ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ ህይወተን ዝኽንሽባ ማሕበረሰባት ኣለዋ። ካልኦት ድማ ነቲ ምኽንሻብ ኣብ ሞንጎ ኣርባዕተን ሾሞንተን ዓመታት ዕድመ ይፍጽማ። ከምኡውን ኣብ ምስግጋር ናይ ጉብዝና ዝርከባ ኣዋልድ ወይ ድማ ንዓቕመ ሂዋን ዝበጽሓ ደቂ-ኣነስትዮ ዝኽንሽባ ማሕበረሰባት ኣለዋ። ከምኡውን ከም ንምሳሌ ንምጥቃስ፣ ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ደቒ-ኣነስትዮ ድሕሪ ምውላድ ቆልዓ መሊሰን ዝሰፍያ (ደጊምካ ምዕጻው) ኣለዋ።
ምናልባት ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም ናይ ኣዋልድ ምክንሻብ ይዝውተር ንምፍላጥ እንተደሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ካርታ ኽትረኽቡ ትኽእሉ።

እንተ ድኣ ንምኽንሻብ ዝምልከት ሕቶታት ወይ ሓገዝ እትደልዩ ኾይንኩም ንካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ሓበሬታን ምኽርን ርኸቡና።

ሓገዝ ኣበይ እረክብ?

ንጥዕና ደቂ-ኣነስትዮን ንምኽንሻብ ኣዋልድን ዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ድዩ? ኢ-መይል ጸሓፉልና ወይ ድማ ደውሉልና:

Denise Schwegler, Caritas Schweiz

Denise Schwegler
Caritas Schweiz

Simone Giger

Simone Giger
Caritas Schweiz

ቖጸራ ንምግባር ምስና ርክብ ግበሩ። ዝወሃቡ ምኽርታት ብዘይ ክፍሊትን ንደቒ-ተባዕትዮ እውን ክፉታትን እዮም። ስቱርን ናይ ቓንቓ-ተርጋሚ ብምድላውን ምክሪ ክንልግስ ሕጉሳት ኢና።   

ናይ ህጹጽ እዋን ሓበሬታት:

እቲ ልምዲ ኸምኡ ይብል። ብወገነይ ግን ኣይፋል።

እቲ ልምዲ ኸምኡ ይብል። ብወገነይ ግን ኣይፋል።

10 ምኽንያታት ንምንታይ ምኽንሻብ ኣዋልድ  ክተርፍ ከም ዘለዎ:

    1. ኣዋልድ ምኽንሻብ መሰል-ሰብ ምግሃስ እዩ
    2. ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ መሰል ጥዑይ ኣካል ኣለዎ
    3. ናይ ኣዋልድ ምኽንሻብ ዝእዝዝ ብጽሑፍ ዝሰፈረ፣ ኣብ ማንም ናይ ዓለም ሃይማኖታት የለን
    4. ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተፈጠረ፣ ኣካል ናይ ኣዋልድ ዝተማልአ እዩ
    5. ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ስዊዘርላንድን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ዓድታትን ዝተኸልከለ እዩ
    6. ዘይተኸንሸባ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮን ዝወሓደ ቃንዛ ኣለወን፣ ጥዑያት እየን ከምኡውን ዝነውሐ ይነብራ
    7. ነዋልድ ምኽንሻብ ከምክን ይኽእል እዩ
    8. ዘይተኸንሸባ ደቒ-ኣነስትዮ ክሓርሳ ከለዋ ዝወሓደ ጸገም የጋንፈን
    9. ሓንቲ ጋል-ኣንስተይቲ ንሰብኣያ እምንቲ ምዃንን ዘይሙኻንን ብምኽንሻብ ኣይውሰንን
    10. ኣብ ሓደ ነዚ ባህሊ ዝኹንን ማሕበረሰብ ምንባር ነዋልድን ደቒ-ኣነስትዮን ኣዝዩ ከቢድ እዩ


ኣንጻር እዚ ባህሊ እዚ ክትኸላኸሉ ትደልዩ'ዶ? ንሕና ብምኽርን ሓበሬታን ክንሕግዘኹም ኢና።

ሓደ ኢማምን ሓደ ቀሽን ኽምዚ ይብሉ : „ምኽንሻብ ኣዋልድ ካብ ሃይማኖት ኣይኮነን መበቆሉ!“ ከምኡውን ክልተ ደቒ-ኣነስትዮ ኸምዚ ይላዘባ: „ዘይተኸንሸባ ደቒ-ኣነስትዮ እውን ንፉዓት በዓል ሓዳር ክኾና ይኽእላ እየን!“

እተን ናይ ጥዕና ሳዕቤናት እንታይ እየን?

ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ጥዕና ኣዋልድን ኣንስትን ሓደገኛ ዝኾነ ሳዕቤን ኣለዎ። ሓደ ሓደ እውን በቲ ኣካላዊ ሳዕቤን ይሞታ እየን።
ናይ ምኽንሻብ ኣዋልድ ሳዕቤን ንምሳሌ ከምዚ ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል እዩ:

  • ፍርሒ፣ ጸቕጢ፣ ስንባደን ራዕድን
  • ሕማማት
  • ቃንዛ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያን ምሻንን
  • ሽንቲ ምዑቃር ዘይምኽኣል
  • ናይ በሰላ ጸገም
  • ነደን ንቆልዓን ቃንዛ ዝበዝሖን ዝተወሳሰበን ሕርሲ
  • ምምካን
  • ዘሕምምን ግብረ-ስጋን ዉሑድ ስምዒትን

ከምዚ ዓይነት ጸገማት ንኩለን ዝተኸንሸባ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮን ኣይገጥመንን። ጸገም ዘጋጥም እንተ ኮነን እንታይ ዓይነት ኸም ዝኾነን ብእቲ ዓይነት ምኽንሻብን ብኸመይ ኣገባባት ኸም እተኻየደ ይውሰንን። ብተወሳኺ ድማ ነፍሲ-ወከፍ ጋል-ኣነስተይቲን ጋልን ምስ እዚ ጸጋማት ብዝተፈላላየ መንገዲ ይኸዳ።

ከጋጥም ዝኽእል መንፈሳዊ ሳዕቤናት

ብምኽንሻብ ምኽንያት ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮን መንፈሳዊ ጸገም ከጋጥመን ይኽእል። ንኣብነት ወለደይ ካብኡ ዘይተኸላኸሉለይ ኢለን ክጉህያ ይኽእላ ይኾና። እተን ዝተኸንሸባ ኣዋልድ ናብ ስዊዘርላንድ ምስ መጽኣ ንነፍሰን ምስ እተን ዘይተኸንሸባ ኣዋልድ የወዳድራ እሞ ንምንታይ ንዓይ እዚ ነገር ኣጋጢምኒ ኢለን ንነፍሰን ይሓታ። ኣብ ሓደ ሓደ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮን እዚ ዘጋጠመን ፍርሓት ክፈጥረለን ይኽእል ወይ ድማ የሕዝነን።

ምኽንሻብ መሊስካ ከም ዝነበሮ ምግባር ኣይከኣልን እዩ፣ ይኹን እምበር ነቲ ኣካላዊን መንፈሳዊን ጸገማት ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ኣገልግሎት ድማ ዝኾነት ጋልን ደቂ-ኣነስትዮን መሰል ኣለዋ።   ዝተኸንሸብክን እንተ ዄንክን ወይ ድማ ምኽንሻብ ከየጋጥመክን ትፈርሓ እንተ ዄንክን፣ ደገፍ ሕተታ።

ሓኪም ደቂ ኣንስትዮ ዶክተር ኩህን ናይ በርን ኢንዘልስፒታል ብዛዕባ ሳዕቤን ምኽንሻብ ኣዋልድ ዝሀበቶ መግለጺ:

ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣበይ እዩ ዝግበር?

ካብ ኩለን ንላዕሊ ብምኽንሻብ ኣዋልድ ዝተተንከፋ ኣብ ሓደ ሓደ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝነብራ ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮ እየን። ኣብ ሃገራት ከም እኒ ሶማሊያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ጊኒ፣ ሴራሊዮን፣ ማሊን ጁቡቲን ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ኣዋልድን ደቂ-ኣነስትዮን ይኽንሸባ እየን። ይኹን እምበር ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ናይ ኤስያ፣ ኣብ ሃገራት ከፊል ደሴት ዓረብን ናይ ኩርዲ ዓድታትን እውን ይፍጸም እዩ። 

ኣብ ሓደ ሓደ ናይ እስላም ሃገራት ምኽንሻብ ኣዋልድ ይትግበር እዩ። ይኹን ኣምበር ኣብ ኩለን ሃገራት ኣይኮነን ዝትግበር፣ እቲ ናይ ስዑዲ ዓረብያ ምሳሌ ከም ዘርእየና። 

ኣብ ልዕሊኡ እውን ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይጎድል ኣሎ። እዋናዊ ጸብጻባት ከም ዘርእየና (2015/2016) ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ቁጽሪ ዝተኸንሸባ ኣዋልድ እንዳወሓደ ኸም ዝኸይድ ዘሎ እዩ። እዚ ማለት ድማ ብተዛማዲ  ዝኽንሸባ ኣዋልድ ይውሕዳ ኸም ዘለዋ እዩ።

ናይ ምኽንሻብ ብዝሒ: 

ዓዲ   ናይ ዓበይቲ ወለዶ መጠን ናይ ንኣሽቱ ወለዶ መጠን
ኤርትራ 83% 78%
ሱዳን 87% 84%
ኢትዮጵያ 74% 62%
ግብጺ 87% 61%
ሶማሊያ 98% 97%

ምንጪ: Integra

 

ኣብ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድን ንኣዋልድ ምኽንሻብ ክልኩል እዩ። ብዛዕባ ሕጋዊ ኩነታት ሓበሬታ ርኸቡ።

 

 

ብዛዕባ ምኽንሻብ ኣዋልድ ክትዛረቡ ትደልዩ ዲኹም? ንስኽን ባዕልኽን ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ዲኽን? ንሓበሬታትን ምኽርን ምሳና ተራኸቡ።

 

 

ብዛዕባ ምኽንሻብ ኣዋልድ ዝፍጸመለን ሃገራት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናትና መርበብ ሓበሬታ ሰብ ሙያ ይርከብ። 

 

ምኽንሻብ ናይ ኣውላድ ዝተኸልከለ ድዩ?

ምኽንሻብ ናይ ኣዋልድ ዘተግብር መሰል ናይ ደቂ-ሰባት ዝግህስን ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣነስትዮ ኣዋልድን ካብ ዓመጽ ናይ ምክልኻል መሰልን ይኽልክል። ሃገራት ድማ ንደቂ-ኣነስትዮን ኣዋልድን ካብ ምኽንሻብ ኣዋልድ ክከላኸለለን ሓገዝ ክህበንን ግዴታ ኣለዎን።    ኣብ ስዊዘርላንድ  እገዳ ንምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ናይ ሕጊ መቕጻዕቲ ጽሑፍ ዓንቐጽ 124 ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ሕጊ

 

በዚ ሕጊ ዝቕጽዑ እቶም ከንሸብቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ንጓል ክትኽንሽብ ዝፈቐዱ ወለዲን ወይ ድማ ኣዝማድን እውን  እዮም። ከምኡውን ነዚ ምኽንሻብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከም ኽፍጸም ዝገበረ ወይ ድማ ንኽፍጸም ዝሓገዘ ይቕጻዕ እዩ።
ነዚ እገዳ ዝጠሓሰ ብናይ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብገንዘብ ይቕጻዕ። እዚ ንኹሉ ዓይነታት ምኽንሻብ ይምልከትን  እዚ ማለት ድማ ነቲ 1ይ ዓይነት እውን (ብኽፋል ሱና ተባሂሉ ዝስመ)።

 

ወልዲ ንጓሎም ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ዘለዎም ሓላፍነት ዘየማልኡ እንተ ኾይኖም እተን ዝምልከተን በዓል-ስልጣናት ከም እኒ  ሓለዋ ቆልዑ (ኪንደር-ሹትዝ-በሆርደ) ኣብቲ ጉዳይ ይኣትዉ።  
ሰበ-ስልጣናት ኣብ ስዊዘርላንድ ንግዳያት ምኽርን ሓገዝን ይህባን፣ ብፍላይ ሕክምናዊ፣ ስነ ኣእምሮኣዊ፣ ከምኡ ድማ ሕጋዊ ሓገዝ።

ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓደ ካብ ናይ ዑቕባ ምኽንያታት እዩ፣ እዚ ዝኸውን ግን እታ መበቆል ሃገር ካብ ምኽንሻብ ኣዋልድ ምንም ምክልኻል ዝይትገብር እንተ ኾይና እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድን ዓለም ለኻዊን እንታይ እገዳ፣ መሰልን ሕግታት ኸም ዘለዉን፣ ኣብ መቦቖል-ዓዲ እንታይ ኸም ዝርከብን፣ ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ኣብ «መሰልን ሕግን» ዝብል ኽትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣባል ፓርላማ ሲሞኔታ ሶማሩጋ ዝሃበቶ መግለጺ: «ናይ ደቀንስትዮ ብልዕቲ ምቑራጽ ኣብ ስዊዘርላንድ ክልኩል እዩ።»

ኣነ ብርቱዕ ቃንዛ ኣለኒ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ጽግያት ። እንታይ ክገብር እኽእል?

ብዛዕባ እቲ ኩነታትክን ምእንቲ ክትማየጣ፣ ቃንዛ ክህልወክን ከሎ ምስ ሰብ ሙያ ጌኒኮሎጂ ተራኸባ። ከከም ናይ ምኽንሻብ ዓይነት፣ ንደቂ-ኣነስትዮ ንምኽፋት (ደፊብላሲዮን) ክግበር ዝኽኣል መጥባሕቲ ኣሎ። እዚ መጥባሕቲ እዚ ብናይ ጥዕና መድሕን (ክራንከን-ካሰ) ይኽፈል እዩ። ምኽርን ሓበሬታን

ኣነ ተኸንሽበን ጥንስቲን እየ። እዚ ነቲ ዝውለድ ቆልዓ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ ሕርሲ ናይ እተኸንሸባ ደቂ-ኣነስትዮ ተሞክሮ ዘለወን ዝተፈላለያ ኣሕረስቲ፣ ሰብ ሙያ ጌኒኮሎጂን ሆስፒታላትን ኣለዋ። ዘፍርሕ ምኽንያት ክህልወክን የብሉን። እቶም ሰብ ሙያ ጥዕና ምእንቲ ክፈልጡን ከምኡ ድማ ነዚ ኣብ ግምት ምእንቲ ከእትዉን፣ ብዝተኻእለ መጠን ከሎ ገና ብእዋኑ ብዛዕባ ናትክን ምኽንሻብ ኣፍልጣ። ምኽርን ሓበሬታን

ኣነ ኽንሽብቲ ከም ዝኾንኩ ብርግጽ ኣይፈልጥን እየ ከምኡውን እንታይ ማለት ከም ዝኾነ እውን?

ዝተኸንሸባ ከም ዝኾናን ከም ዘይኮናን ዘይፈልጣ ብዙሓት ኣንስቲ ኣለዋ። እቲ ምኽንሻብ ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋን ዕድመ ሕጻንነት ዝተፈጸመ ኣንተ ኮይኑ፣ እዘን ኣንስቲ ብፍላጥ ዝዝክረኦ ነገር የብለንን። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዛዕባ ምኽንሻብ ኣዋልድ ዘይዝረብ ስለዝኾነ ኣንስቲ ነዲኤን ይኹን ነዝማደን ክሓታ ኣይክእላን እየን። ብዛዕባ እዚ ሕቶ ትግደሳ እንተ ዄንክን፣ ናብ ሰብ ሙያ ጌኒኮሎጂ ኪዳ። ምኽርን ሓበሬታን

ኣነ ዝተኸንሸብኩ እየ ከምኡ ድማ ምስ ሰብ ሙያ ሒማቕ ተሞክሮ እዩ ዘለኒ።

ዝተኸንሸባ ኣዋልድን ደቂ-ኣንስዮ ጽቡቕ ዝኮነ ናይ ጥዕና ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን። እዚ ማለት ድማ እቶም ሰብ ሙያ ንዝተኸንሸባ ደቂ-ኣነስትዮ ብሙያውነት ከማኽሩን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህቡን ኣለዎም። እዚ ግን ኩሉ ጊዜ ከምቲ ዝግብኦ ኣይከውንን እዩ። እንተ ድኣ ዝርዳእ ብዓል-ሞያ ደሊኽን ወይ ድማ ብዛዕባ ተሞክሮኽን ክትነግራና እንተ ደሊኽን ክትሕብራና ንማሕጸነክን ። ምኽርን ሓበሬታን

ኣነ ንሓንቲ ዝተኸንሸበት ጋል-ኣነስተይቲ እየ ተመርዕየ። እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ምኽንሻብ ንበዓቲ ቤትኩም ኣካላዊን መንፈሳዊን ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ግብረ ጾታዊ ርክብ እውን ቃንዛ ክፈጥረላ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ስዊትዘርላንድ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ሕቶታትን ጸገማትን ንምምያጥ ናይ ሰብ ሞያ ኑቑጣጣት ይርከባ። እዚ ምኽርታት እዚ ገንዘብ ዘይክፈሎ እዩ። ምኽርን ሓበሬታን

ጓለይ ክትክንሸብ ኣይደልይን እየ። ኣበይ ሓገዝ ክረክብ እኽእል?

ኸም ኣደን ኣቦን መጠን ንድሕነት ጋልኩም ብንጥፈት ክትዋስኡ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ድማ ክንሕግዘኩም ኢና።
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ውፍያትን ኣብ ምኽልኻል ዝሳተፉን ደቒ-ኣነስትዮን ደቒ-ተባዕትዮን ካብ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኾኑ ኣለዉ። ምስ እዞም ሓበሬታ ወሃብቲ ብሙኻን መስ ስድራ ዝርርብ ክዳሎ ይከኣል ። ንምምያጥ ድልየት ዘለኩም እንተ ኾይኑ፣ ምስ ኣማኸርቲ ካሪታስ ስዊዘርላንድ ተራኸቡ። ምኽርን ሓበሬታን